እዚ ፕሮግራም ኣቐማምጣ ህዝቢ እንታይ ማለት እዩ?
እዚ ፕሮግራም ኣቐማምጣ ህዝቢ አብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ናብ ኣውስትራሊያ ዝመፁ ሰባት ዓቕሞም ንኽሃንፁ፣ ናይ አባልነት ስምዒት ንኽዕብዩን ማሕበራዊ ርክብ ንከማዕብሉን ይሕግዝ፡፡
እዚ ፕሮግራም ኣቐማምጣ ህዝቢ አብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ናብ ኣውስትራሊያ ዝመፁ ሰባት ዓቕሞም ንኽሃንፁ፣ ናይ አባልነት ስምዒት ንኽዕብዩን ማሕበራዊ ርክብ ንከማዕብሉን ይሕግዝ፡፡
እዚ ዘፈር ማሕበራዊ ድጋፍ ናብ ካባያዊ ኔትዎርክን ግልጋሎትን ምልኣኽ፣ ናይ መንበሪ ገዛ ሓገዝ፣ ስራሕን ትምህርቲን ክረኽቡ ምግባር፣ ጥዕና ጣቢያን ባህላዊ ርክብ ምህናፅ እውን የካትት እዩ፡፡
ብጥንካሬን ውልቓዊ ድልየትን መሰረት ብምግባር ክእለትን ዓርሰ እምነት ተሳተፍቲን ብምዕባይ ድጋፍ ግልጋሎት ንኽረኽቡ፣ ነፃ ነባራይነት፣ ናይ መነባብሮ ክእለት ምዕባይን አብ ናይ ሕበሰረተሰብ ተሳትፎ ንኽገብሩ ንገብር፡፡
እቲ ናይ ሕበሰረተሰብ ዕብየት ፕሮግራምና አብ ኣውትራሊያ ምንባር እንትጅምሩ ምስቲ ክፍሊ ሕ/ሰብን ስድርኦምን ዝተታሓሓዘ ብጉጅለ ብምእካብ፣ ዎርከሾፕን ሓበሬታን ብምቕራብ ፍልጠቶንም ኣረዳድኦምን ንምምዕባል ዝቐርቡ እውን የጠቓልል፡፡
እቲ ግልጋሎት አብ ኣውትራሊያ አብ ዝንበርሉ ናይ መጀመሪያ ሓሙሽተ ዓመታት ቐፂሎም ብዝተዘርዘሩ ቐዳሞት ዝርዝራት አቢሎም ንዝፍቐደሎም ተሳፍቲ ይቐርቡ፡-
ሰራሕተኛታት ካብ ማዓስክር ስተደኛታት ወይ ድማ ብዙሕ ባህሊ ዘለዎም ሓደሽቲ ኣተውቲ ኣወዳት፣ ህፃናትን ስድራን ተሳተፍቲ ብዝደለይዎ መሰረት ብማሕበራዊ ድጋፍ ኣውሃህባ ሜላን ዓቕሚ ሕ/ሰብ አብ ምዕባይ ድጋፍ ይገብሩ፡
ናይ ተሳተፍቲን ሕ/ሰብን ክእለትን አብ ምርግጋፅን አብ ምህናፅን ነዚ ሕ/ሰብ ብኣሉታዊን ዓርሰ እምነት አብ ምምዕባል ድጋፍ ብምሃብ ጥንካረ፣ ድኻም ብምፍላጥ ጠመተ ዝገበረ ኣቐራርባ ኢና ንጥቐም፡፡ ሓዱሽ ዝኣተው ስደተኛታት ምስ ባህላዊ ክእለታት ሕ/ሰብ ኣውስትራሊያ ተጠቓሚን ተሳታፊን ንምግባር ዓቕሚ አብ ምህናፅን አብ ምድጋፍን ጠመተ ይግበር፡፡
እቲ ፕሮግራም ኣቐማምጣ ማሕበረሰብ አብ ቐረባ እዋን ናብ ኣውትራሊያ ንዝኣተው ሰባት ዓርሰ እምነቶምን ዓቕሞምን ንምዕባይ አብ ነፍሰወከፍ ሰብ ጠመተ ምግባር ይጥቐም፡፡ ሰባት አብ ኣውትራሊያ ብዝበለፀ ዝለመዱ ንክስምዖምን አብ ውልቓዊን ክእለትን ፍልጠትን ብርኪ ሕ/ሰብ ድጋፍ ንምሃብ ተበጊስና አለና፡፡
ፕሮግራም ይፈላለዩ እዮም ግን ድማ ብዛዕባ ምኽሪ ጥዕና፣ ሓገዝ ወሊድ፣ ዓርሰ ሓገዝ፣ ናብ ኣውስትራሊያ ጉዕዞ ዘለዎ ፅንቶ፣ ምስቲ ሕ/ሰብ ምንባርን ፀገም ኣድላይነት ደቒ ኣነስትዮ፣ ኣረጋዊያን ወይ ድማ መናእሰይ ዕደመ ዘሎ ፀገም ምቕራፍ ዝታሓሓዙ ኣርስቲታት ከጠቓልል ይኽእል እዩ፡
ንሰባት ናብዚ ፕሮግራም ኣቐማምጣ ህዝቢ ንኽመፁ ዝግበረሉ ስሩዕ መንገዲ የለን፡፡ ከመላኽት ወይ ድማንባዕሉ ክመፅእ ወይ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝደሊ ዝኾነ ሰብ ንሰራሕተኛ ፕሮግራም ኣቐማምጣ ህዝቢ አብ ሳንሸይን አብ ዝርከብ ቢሮና ወይ ድማ አብ ናይ መመልከቲ ቕጥዒ ብመማረፂነት ብኢ-ሜይል ምርካብ ይኽል እዩ፡፡
16 Withers St, Sunshine VIC 3020
Tel: (03) 8595 2438
Email: settlement@jss.org.au
St. Albans East Primary School
Station Ave, St. Albans VIC 3021
ናይ ስራሕ ማዓልቲ፡- ካብ ሮቡዕ እስካብ ዓርቢ
ስልኪ፡- (03) 9310 7536
settlement@jss.org.au
www.jss.org.au
አስተርጓሚ
ናይ Jesuit ማሕበራዊ ግልጋሎታት ዝባሃል ኩሎም ሰባት ብሙሉእ ዓቕሞም ክነብርሉ ዝኽእሉ ሕብረሰተብ ንምህናፅ ዝሰርሕ ናይ ማሕበራዊ ለውጢ ትካል እዩ፡፡ እዚ ፕሮግራም ኣቐማምጣ ሕ/ሰብ ናይ ኩሉ ዓይነት LGBTI ዘጠቓልል ግልጋሎት እዩ፡፡